ስሙ ኣብ ካሴት፡ ኣብ ሲዲ፡ ኣብ ክሊፓትና ፡ኣበይ-ኣበይ ዘይተጻሕፈ ፡ብክእለቱ ዝበረኸ ስም። ሙዚቃ ሃገርና ኢልካ እንተልዒልካ ግድን ኢኻ ስሙ ክትጽውዖ ። ኣሮን በርሀ (ሳጢር) ንሳክስፎን ዝተፈጥረ ፕሮፌሽናል ሳክስፎኒስት ሃገርናዩ። ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ምልከት'ዩ ዝርከብ። ንሱ ዘይተጻወተሉ ድምጻዊ ኣበይ ከይህሉ። ኣሮን ኣብ ክንደይ ዝኸውን ደርፍታት ቀሪጽካ ? ምስ በልክዎ፡ "ኣንታ ኣኪለ ሓወይ ክንደይ ኢለ ክዝክሮ ኢሉኒ። ሓቁዩ ክንደይ ኢሉ ክቖጽሮ ። ኣሽሓታት ኢልካ ምሕጻሩ ይምረጽ። ካብ ቀያሕቲ ዕምባባ ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ። ሕጂ ከማን ኣብ ስቱድዮ ይህሉ ሓድሽ ደርፊ ክቐርጽ። ኣቦ ሳክስፎን። ኣብ ብዙሕ ዝሰራሕክዎ ዕውታት ደርፍታት'ኳ ብሓደ እንተሰራሕና፡ ምስ ኣብርሃም ኣፎወርቂ ናይ መጨረሽታ ኣልበም "ሰማይ " ኣብ ዝሰራሕናሉ ግዜ ዘርኣየኒ ናይ ሙዚቃ ፍቕሪ ግን ካብ ኣእምሮይ ፈጺሙ ኣይሕከኽን'ዩ። ኣብ ልምምድ ተጸሚዱ ብሉጽ ሓሳብ እናሃበ ንሰሙናት ንጥበብ ዋጋ ከፊሉ ብዘይ ተወሳኺ ረብሓ። ሓመዱ የቕልለሉ ኣብርሃም ኣፎወርቂ ንኣሮን ንኢዱ ኣይጸግቦን ኔሩ። ንሳጢር መን ዘይንእዶ? ነቲ እዝዩ ልሉይ ፡ ፍሉይ ፡ልብኻ ዘረስርስ ቶናሊቲ ናቱ ከመይልካ ክትክሕዶ። ኣሮን ሳጢር ብልቡ'ዩ ንሙዚቃ ዘፍቅሮ።ብሕልፊ ባህ ዝብሎ ጥበብ ክረክብ እንከሎ። ብዛዕባ ኣሮን ተዛሪብካ ስለዘይውዳእ ብለበዋ ክውድኦ። ኣሮን ምስዚ ኹሉ ምልከቱን ጥበቡን ኣብ ሳክስፎን ፡ ክሳብ ሎሚ ሓንቲ ናተይ ዝብላ ናይ ብሕቱ ብሙዚቃ ዝተቐናበረት ናይ ሳክስ (Instrumental music) ኢንስትሩሜንታል ኣይሰርሐን ዘሎ። ሓደራኻ ሳጢር ሓንቲ ኢልካ ጀምረልና ክብሎ ይፈቱ። ብዝተረፈ ንሓደ ክንድዚ ዝኣክል ስራሕ ዘበርከተ ሙዚቀኛ ካልእ'ኳ ዝግብኦ እንተነበረ፡" ኣጆኻ በርትዕ" ምባል ግን ዓቕምናዩ"ሞ። ኣጆኻ ካብዚ ንላዕሊ ኩነልና ምባሉ ኣዝያ ቀላል ቃል ኮይና ትስምዓኒ ። ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ©21/03/2019 ኣስመራ።
BeTeY
Read more