Angosom Tesfamichael


ኤርትራና ካብ ዘፍረየቶም ስነ ጥበባውያን ሓደ እዩ።ኣብ ሕደማ ግጥሚ ደርፊ እዩ ዝነጥፍ።ዛጊት ምስ ብዙሓት ድምጻውያን ዝሰርሐ እኳ እንተኾነ ፥ ብዝያዳ ግን ምስ ስርሓት ቆርጫጭ ዘለዎ ምትእስሳር ሕልፍ ዝበለ እዩ።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣልቡም ቆርጫጭ ስሙ ክትረኽቦ ናይ ግድን እዩ።ገጣማይ ኣንገሶም ተስፋሚካኤል (Angosom Tesfamichael) ።

ምስ ቆርጫጭ ኣብ 2005 ከም ዝተላለዪ ዝገልጽ ኣንገሶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ቆርጫጭ ኣብ ሆቴል ሳን ሻይን ፒያኖ ባር እናሰርሐ ከሎ ርክቦም ከምዝደንፈዐን ከም መበገሲት ስራሕ “ማዕቀነይ” ትብል ግጥሚ ከም ዝሃቦን እታ ግጥሚ እቲኣ ከፋቲት በሪ ጉዕዞ ሕደማኡ ኣብ ዓለም ደርፊ ከም ዝኾነት ይሕብር።

ካብ 1994 ኣትሒዙ ዝጸሓፎ ግጥምታት ናይ ምስናድ ባህሪ ዘለዎ ኣንገሶም ፥ቅድሚ “ማዕቀነይ ” ትብል ግጥሚ ንቆርጫጭ ምሃቡ ፥ኣብ ጋዚጣ ሓዳስ ኤርትራ ፥ከምኡ’ውን ኣብ ነበር ብሕታውያን ጋዜጣታት ትርግታን ብፍላይ ድማ ጋዜጣ ዘመን አዋናዉያን ሓጸርቲ ግጥምታት ኣብ ምብርካት ሰናፍ ኣይነበረን፡፡

ግጥሚ ማዕቀነይ ብጽቡቕ ዜማን መረዋሕ ድምጺ ቆርጫጭን ብግቡእ ተሰሪሓ ከተብቅዕ ኣብ ኤርትራ ብወግዓዊ መንገዲ ዛጊት ከም ዘይተዘርግሐትን ፥ ቆርጫጭ ኣብ 2009 ኣሜርካ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ኣብ ደገ ከም ዝተዘርግሐትን ዝሕብር ኣንገሶም ኣብ ኣልቡም “ትጽቢት ነዊሕዋ” ውን ንዕዑን ንቆርጫጭን ጽቡቕ ስም ዝሃበት”ኣማን ብኣማን” ትብል ጽብቕቲ ግጥሚ ሃቦ።መብዛሕትኡ ኣስተማቓሪ ሙዚቃ ትግርኛ “ብተመስገን ክብል ፈጣሪ” ዝፈልጣ ደርፊ ምዃና’ዩ።

ተመስገን ክብል ፈጣሪ ንፈጣሪየይ ስለኺ ኣነ ሳላኺ
ሕልመይ ዘግሃድኪ ብኩሉ ሓላለይ ሓላል እንዲኺ………………

እዛ ደርፊ እዚኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምርኢት ቆርጫጭ ከም መመሰሲት (መጀመሪት) መደብ ኮይና ንልዕሊ 3 ዓመት ዝኸደት ደርፊ እያ።

ብምቕጻል ምትእስሳሮም ዝያዳ ከም ዝደንፍዐ ዝገልጽ ኣንገሶም ፥ ኣብ ዝቐጸለት ኣልቡም ” ወቓሕ ኢልክኒ” ውን “ሓንቅቕለይ” “ንፈላለ ደሓን” ብቻው ቻው ትፍለጥ ከምኡ’ውን “በዲለያ እንድየ” ዝብላ ግጥምታት ኣበርኪቱ።

ኣብ ዝሰዓበት ኣልቡም ቆርጫጭ ‘ውን መስርዕ ዘይበተኸ ኣንገሶም መጸውዒት ኣልቡም ዝኾነት “መን ዘይብሉ ዘራይ” “ኣሰየ” “ንስለ ደቅና ክንብል” ን” መርዓተይ” ዝብላ ስርሓቱ ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ብመንገዲ ቆርጫጭ ኣብጺሑ።

ምስ ቆርጫጭ ገና ሕጂ’ውን ኣብ ምስራሕ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ኣንገሶም ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈት ዓመት ፥ ልቢ ብዙሓት ካብ ሃገር ተሰዲዶም ዘለዉ ዜጋታት ዝተንከፈት ” ኣስመራ ዶ ዲሲ” ትብል እዋናዊት ብልጽቲ ስራሕ ‘ውን ጀባእ ኢልና ‘ዩ።

ኣንገሶም ብዘይካ ምስ ቆርጫጭ ምስ ካልኦት ብዙሓት ድምጻውያን ‘ውን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ከም ዘሎ ይገልጽ።ብጀኻ ምስ ቆርጫጭ ምስ ድምጻዊ ፍረሰላም ሙሴ “ናይ ትማሊየይ”ን “ኣይትበሊ ጽባሕ”ን ምስ ወዲ ዘኩ “ክብል’የ” “ንኸስ” ን ” ርሑስ ኣውደኣመት”ን ምስ ራህዋ ሰመረ “ክነግረልካ’የ” ምስ ሄለን ጸጋይ “ኣይትፍራሕ ኣጆኻ” ምስ ኢትዮጵያዊት ድምጻዊት ሄርሞን ባራኺ “ደሓን ዲኺ ኣይትበለኒ”ን “ኣባዲየይ”ን ምስ ሳሚኤል ተኪኤ ( ሻባይ) ዜናዊ ካሕሳይ ሲራክ ሃይለን ውን ዝሰርሖ ስራሓት ከም ዘለዎ ይሕብር።

ብሕጂ ንጽበዮ ስራሓት ይህሉ ዶ ይኸውን ተባሂሊ ኣብ ዝተሓተተሉ ድማ ምስ ቆርጫጭ ብዓቢኡ ኣሎ ድሕሪ ምባል ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ምስ ረዲኤት ኣስመላሽ ነሂምያ ዘርኣይ ሲራክ ሃይለ ን ክልኦትን ኣብ ደገ ካብ ዘለዉ ድማ ምስ ናዝራዊ ኣስገዶም በዓል ስዊዝ ዳኒ ጋጉ እዚ’ ውን በዓል ስዊዝ ምስ ዳዊት ካሕሳይ በዓል ሽወደን ምስ ኣሜሪካ ሲያትል ዝምቕማጡ ሙሴ ጠዓመ ምስ ኣሜርካ ዝምቕማጣ ሳባ መኮንን ምስ ኣብ ሎንዶን ዝመዓስከሮም ቴድሮስ ሃብተን ያፌት ኣብራሃን ምስ ጀርመን ዝድፋዖም ተወልደ ካሳን ኣማኒኤል በረኸትን ምስ ኣብ ኖርወይ ዝኸተመ ኣሩ ቻፒኮ ምስ ኦክላንዳዊ ኢሰያስ ጫዳ ሲያትላዊ ሳሚ ty ስያትላውያን መሪሕን ቅሳነትን ስርሓቱ ሒዙ ኣለኹ ክብለና ምዃኑ ኣንፊትልና ኣሎ።

ገጣሚ ኣንገሶም ተስፋሚካኤል ኣብዚ ዝገበርናዮ ሓጺር ዕላል ብዙሕ ክዝከር ዝግበኦ ነገራት ረሲዑ ከም ዝኸውንን ዝሰርሓሎም እሞ ከኣ ዘይዘከሮም ድምጻውያን ክህልዉ ስለዝኽእሉ ቅድሚ ዝኣገረ ኣይትሓዙለይ ረሳዕቲ እይግበርኩም ኢሉ።

ኣብ መደምደምታ ሕርያኦም ጌሮም ምስኡ ንዝሰርሑ ድምጻውያንን ኣስተማቐርቲ ሙዚቃ ትግርኛናን ብምምስጋን ንኩሎም ካብ ኣጆኻ ክሳብ ኣጆኻ ካብ ጎኑ ዘይተፈልዩ ኣመስጊኑ።

ስነ ጥበብ ይዓብብ
ረዘነ ጻዕዳ ፈረስ
19 ለካቲት 2018